Obtenez 3 mois à 0,99 $/mois + 20 $ de crédit Audible

OFFRE D'UNE DURÉE LIMITÉE
Page de couverture de SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

Auteur(s): SBS
Écouter gratuitement

À propos de cet audio

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።Copyright 2025, Special Broadcasting Services Politique Sciences sociales
Épisodes
  • ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (20 ሕዳር 2025)
    Nov 20 2025
    ኣርእስታት ዜና፥ ** እስራኤል ኣብ ቓዛ ብዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ ኣየር 10 ፍልስጢኤማውያን ተቐቲሎም ... ** ሓደ ምስ ሓይልታት ምክልኻል ኣውስትራሊያ ዝሰርሕ ዝነበረ ኣፍጋኒስታናዊ ዝተዋህቦ ናይ ሰብ ኣውነት ቪዛ ብዘይ መግለጺ ተሰሪዙ። ** ሃገራዊት ጋንታ ኲዕሶ እግሪ ኣውስትራሊያ፡ ጋንታ ሶኮሩ ኣንጻር ኮሎምብያ ኣብ ኒው ዮርክ ናይ ምሕዝነት ጸወታ ገጢማ 3ብ0 ተሳዒራ።
    Voir plus Voir moins
    10 min
  • ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (21 ሕዳር 2025)
    Nov 20 2025
    ሎሚ ሓሙስ 20 ሕዳር 2025 እዩ። ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ብዛዕባ ዉዕል ፕሪቶሪያ ከይትግበር ዝዕንቅጽ ዘሎ መን'ዩ፧ ሕጋውነት ሕቶ ባሕሪ ኢትዮጵያን ዘስዕቦ ጂኦ ፖሎቲካዊ ቅልውላው ዝምልከት ሰፊሕ ዘተ ምስ ናይ ፈለማ ናይ ኢትዮጵያውያን ማሕበራዊ መዲያ ዝኾነ "ኢትዮ-መዲያ" መስራትን ተንታንን ጸሓፍን ኣብርሃ በላይ ከምኡውን ኣብ ኤርትራ ድሕሪ ነጻነት ናይ ፈለማ ናይ ብሕቲ ጋዜጣ ዝኾነት "መስትያት" ዝመስረተ መሓሪ ኣብርሃም ሓሳቦም ኣካፊሎም ኣለዉ። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፥ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ስደተኛታት መሪሑ ዝተባህለ ኤርትራዊ ናይ 20 ዓመት ማእሰርቲ ክቕጻዕ ሓሳብ ቀሪቡ። መንግስቲ ካናዳ ንጉዕዞ ናብ ኢትዮጵያ ኣመልኪቱ ሓድሽ መጠንቀቕታ ኣውጺኡ። ዓባይ ብሪጣንያ ውን መጠንቀቕታ ጉዕዞ ናብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣውፂኣ 'ያ። ኤርትራ ዘይተሳተፈትሉ ወተሃደራዊ ልምምድ ቀይሕ ባሕሪ ተኻይዱ። ኣብ ኢትዮጰያ ኮነ ቀርኒ ኣፍሪካ ኲናት ዳግም ከይውላዕ ሕብረት ኣውሮፓ ፀቕጢ ንክገብር ፃውዒት ቀሪቡ ። ወተሃደራዊ ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝበዝሐ ዘስካሕክሕ ጾታዊ መጥቃዕቲ ብምፍጻም ተኸሲሶም። ኣብ ሰሙናዊ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ መደብና፡ ካብ ማቦ ክሳብ ዘመንዊት ኣውስትራሊያ: ዝቐጽል ዘሎ ናይ ደቀ'ባትነት ሕቶ ይግበኣና። ንኹሉ መደባትና ንምክትታል ምሳና ሓቢርኩም ክትጸንሑ ዝዕድመኩም ኣዳላውን ኣቕራብን በየነ ሰመረ፡ ሕጂ ናብ ዜና ከሕልፈኩም፡ ኣርእስታት ዜና፥ ** እስራኤል ኣብ ቓዛ ብዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ ኣየር 10 ፍልስጢኤማውያን ተቐቲሎም ... ** ሓደ ምስ ሓይልታት ምክልኻል ኣውስትራሊያ ዝሰርሕ ዝነበረ ኣፍጋኒስታናዊ ዝተዋህቦ ናይ ሰብ ኣውነት ቪዛ ብዘይ መግለጺ ተሰሪዙ። ** ሃገራዊት ጋንታ ኲዕሶ እግሪ ኣውስትራሊያ፡ ጋንታ ሶኮሩ ኣንጻር ኮሎምብያ ኣብ ኒው ዮርክ ናይ ምሕዝነት ጸወታ ገጢማ 3ብ0 ተሳዒራ።
    Voir plus Voir moins
    51 min
  • ኤርትራ ዘይተሳተፈትሉ ወተሃደራዊ ልምምድ ቀይሕ ባሕሪ ተኻይዱ። (ጸብጻብ)
    Nov 19 2025
    ዘይሕጋዊ ምስግጋር ስደተኛታት መሪሑ ዝተባህለ ኤርትራዊ ናይ 20 ዓመት ማእሰርቲ ክቕጻዕ ሓሳብ ቀሪቡ። መንግስቲ ካናዳ ንጉዕዞ ናብ ኢትዮጵያ ኣመልኪቱ ኣመልኪቱ ሓድሽ መጠንቀቕታ ኣውጺኡ። ዓባይ ብሪጣንያ ውን መጠንቀቕታ ጉዕዞ ናብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣውፂኣ 'ያ። ኤርትራ ዘይተሳተፈትሉ ወተሃደራዊ ልምምድ ቀይሕ ባሕሪ ተኻይዱ። ኣብ ኢትዮጰያ ኮነ ቀርኒ ኣፍሪካ ኲናት ዳግም ከይውላዕ ሕብረት ኣውሮፓ ፀቕጢ ንክገብር ፃውዒት ቀሪቡ ። ወተሃደራዊ ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝበዝሐ ዘስካሕክሕ ጾታዊ መጥቃዕቲ ብምፍጻም ተኸሲሶም።
    Voir plus Voir moins
    11 min
Pas encore de commentaire