Épisodes

  • MiniPod: Call it a day | Words we use - MiniPod: Call it a day | Words we use (ምልምማድ ፍሉያት ኣበሃህላታት ቋንቋ እንግሊዝ)
    Nov 20 2025
    Learn a new phrase and make your English sound more natural and interesting. Words We Use is a bilingual series that helps you understand idioms like 'call it a day'. - ሓድሽ ሓረግ ወይ ኣገላልጻ ተመሃሩ'ሞ ቋንቋ እንግሊዝኩም ዝያዳ ተፈጥሮኣዊን መሳጥን ግበርዎ። Words We Use ከም በዓል 'call it a day' ዝኣመሰሉ ሕቡእ ትርጉም ዘለዎም ኣገላልጻታት ክንርድኦም ዝሕግዝ ክልተ-ቋንቋዊ ስሩዕ ተኸታታሊ መደብ'ዩ።
    Voir plus Voir moins
    3 min
  • ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (20 ሕዳር 2025)
    Nov 20 2025
    ኣርእስታት ዜና፥ ** እስራኤል ኣብ ቓዛ ብዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ ኣየር 10 ፍልስጢኤማውያን ተቐቲሎም ... ** ሓደ ምስ ሓይልታት ምክልኻል ኣውስትራሊያ ዝሰርሕ ዝነበረ ኣፍጋኒስታናዊ ዝተዋህቦ ናይ ሰብ ኣውነት ቪዛ ብዘይ መግለጺ ተሰሪዙ። ** ሃገራዊት ጋንታ ኲዕሶ እግሪ ኣውስትራሊያ፡ ጋንታ ሶኮሩ ኣንጻር ኮሎምብያ ኣብ ኒው ዮርክ ናይ ምሕዝነት ጸወታ ገጢማ 3ብ0 ተሳዒራ።
    Voir plus Voir moins
    10 min
  • ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (21 ሕዳር 2025)
    Nov 20 2025
    ሎሚ ሓሙስ 20 ሕዳር 2025 እዩ። ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ብዛዕባ ዉዕል ፕሪቶሪያ ከይትግበር ዝዕንቅጽ ዘሎ መን'ዩ፧ ሕጋውነት ሕቶ ባሕሪ ኢትዮጵያን ዘስዕቦ ጂኦ ፖሎቲካዊ ቅልውላው ዝምልከት ሰፊሕ ዘተ ምስ ናይ ፈለማ ናይ ኢትዮጵያውያን ማሕበራዊ መዲያ ዝኾነ "ኢትዮ-መዲያ" መስራትን ተንታንን ጸሓፍን ኣብርሃ በላይ ከምኡውን ኣብ ኤርትራ ድሕሪ ነጻነት ናይ ፈለማ ናይ ብሕቲ ጋዜጣ ዝኾነት "መስትያት" ዝመስረተ መሓሪ ኣብርሃም ሓሳቦም ኣካፊሎም ኣለዉ። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፥ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ስደተኛታት መሪሑ ዝተባህለ ኤርትራዊ ናይ 20 ዓመት ማእሰርቲ ክቕጻዕ ሓሳብ ቀሪቡ። መንግስቲ ካናዳ ንጉዕዞ ናብ ኢትዮጵያ ኣመልኪቱ ሓድሽ መጠንቀቕታ ኣውጺኡ። ዓባይ ብሪጣንያ ውን መጠንቀቕታ ጉዕዞ ናብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣውፂኣ 'ያ። ኤርትራ ዘይተሳተፈትሉ ወተሃደራዊ ልምምድ ቀይሕ ባሕሪ ተኻይዱ። ኣብ ኢትዮጰያ ኮነ ቀርኒ ኣፍሪካ ኲናት ዳግም ከይውላዕ ሕብረት ኣውሮፓ ፀቕጢ ንክገብር ፃውዒት ቀሪቡ ። ወተሃደራዊ ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝበዝሐ ዘስካሕክሕ ጾታዊ መጥቃዕቲ ብምፍጻም ተኸሲሶም። ኣብ ሰሙናዊ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ መደብና፡ ካብ ማቦ ክሳብ ዘመንዊት ኣውስትራሊያ: ዝቐጽል ዘሎ ናይ ደቀ'ባትነት ሕቶ ይግበኣና። ንኹሉ መደባትና ንምክትታል ምሳና ሓቢርኩም ክትጸንሑ ዝዕድመኩም ኣዳላውን ኣቕራብን በየነ ሰመረ፡ ሕጂ ናብ ዜና ከሕልፈኩም፡ ኣርእስታት ዜና፥ ** እስራኤል ኣብ ቓዛ ብዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ ኣየር 10 ፍልስጢኤማውያን ተቐቲሎም ... ** ሓደ ምስ ሓይልታት ምክልኻል ኣውስትራሊያ ዝሰርሕ ዝነበረ ኣፍጋኒስታናዊ ዝተዋህቦ ናይ ሰብ ኣውነት ቪዛ ብዘይ መግለጺ ተሰሪዙ። ** ሃገራዊት ጋንታ ኲዕሶ እግሪ ኣውስትራሊያ፡ ጋንታ ሶኮሩ ኣንጻር ኮሎምብያ ኣብ ኒው ዮርክ ናይ ምሕዝነት ጸወታ ገጢማ 3ብ0 ተሳዒራ።
    Voir plus Voir moins
    51 min
  • ኤርትራ ዘይተሳተፈትሉ ወተሃደራዊ ልምምድ ቀይሕ ባሕሪ ተኻይዱ። (ጸብጻብ)
    Nov 19 2025
    ዘይሕጋዊ ምስግጋር ስደተኛታት መሪሑ ዝተባህለ ኤርትራዊ ናይ 20 ዓመት ማእሰርቲ ክቕጻዕ ሓሳብ ቀሪቡ። መንግስቲ ካናዳ ንጉዕዞ ናብ ኢትዮጵያ ኣመልኪቱ ኣመልኪቱ ሓድሽ መጠንቀቕታ ኣውጺኡ። ዓባይ ብሪጣንያ ውን መጠንቀቕታ ጉዕዞ ናብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣውፂኣ 'ያ። ኤርትራ ዘይተሳተፈትሉ ወተሃደራዊ ልምምድ ቀይሕ ባሕሪ ተኻይዱ። ኣብ ኢትዮጰያ ኮነ ቀርኒ ኣፍሪካ ኲናት ዳግም ከይውላዕ ሕብረት ኣውሮፓ ፀቕጢ ንክገብር ፃውዒት ቀሪቡ ። ወተሃደራዊ ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝበዝሐ ዘስካሕክሕ ጾታዊ መጥቃዕቲ ብምፍጻም ተኸሲሶም።
    Voir plus Voir moins
    11 min
  • From Mabo to modern Australia: the ongoing story of native title - ካብ ማቦ ክሳብ ዘመንዊት ኣውስትራሊያ: ዝቐጽል ዘሎ ናይ ደቀ'ባትነት ሕቶ ይግበኣና።
    Nov 19 2025
    Australia is known around the world for its rich and diverse First Nations cultures. But when it comes to native title and land rights, you might still wonder what they actually mean. Discover what native title means in Australia, how it began with the Mabo Case, what the Native Title Act does, and why it matters for all Australians. - ኣውስትራሊያ ኣብ መላእ ዓለም ሃብታምን ብዙሕነት ዘለዎ ባህሊ ቀዳሞት ህዝብታት ዘለዋ ሃገር ምዃና ትፍለጥ ። እንተኾነ ብዛዕባ ናይ ደቀባት ናይ ይግበኣኒን መሰል ዋንነት መሬት ግን ፡ እንታይ ማለት ምዃኑ ምስትርዳእ ይገርመካ ይኸውን ። እቲ ናይ ይግበኣና መሰል ደቀባትነት ኣብ ኣውስትራሊያ እንታይ ማለት ከምዝኾነ ፤እቲ ናይ ማቦ ጉዳይ ብኸመይ ከምዝጀመረ ፤ እቲ ናይ ደቀባት ሕጊ ዋንነት (Native Title Act ) እንታይ ከምዝኾነን ንምንታይ ንኹሎም ኣውስትራሊያውያን ከምዘገድሶምን ኣብዚ ትሕዝቶ ክግለጽ እዩ ።
    Voir plus Voir moins
    10 min
  • ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (19 ሕዳር 2025)
    Nov 19 2025
    ** ፋይል ገበናት ጀፈሪ አፒስቲን ክቕላዕ ብዓብላሊ ናይ ይኹን ድምጺ ተዋሂብዎ። ** ውሕሃ ፡ ኣብ ሰሜናዊ ናይጀርያ ኣብ እትርከብ ቤት ትምህርቲ ኣዋልድ ዘጋጠመ መጥቃዕቲ ስዒቡ ፡ ነተን ዝተጨውያ 25 ተመሃሮ ብቕልጡፍ ክፍትሓ ተማሕጺኑ ... ** ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ፍልስጤም ፡ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብዛኣዕባ ቓዛ ዝምልከት ዘጽደቖ ዉጥን ብሓጎስ ተቐቢልዎ ።
    Voir plus Voir moins
    5 min
  • ጽቡቕ ብህልታትናን ልምድታትናን ሒዝናዮም እንተንመጽእ መማዕበሉና ኔሮም፡ ዝርርብ ምስ ኣርክቴክት ዮሃንስ በራኺ።
    Nov 18 2025
    ኣብዚ እዋን ከም ብ ኣማዞን ዝበሉ ዓበይቲ ኩባንያታት ዝመሃደሩ ንጥፈታት ምብጽጻሕ ኣቑሑ (ደሊቨሪ)፡ ዝ ኣመሰሉ ኣብ ህዝብና ንነዊሕ ዘመናት ዝስርሓሎም ዝነበሩ ንጥፈታት ኣለዉ። ገዛ ገዛ እናኸዱ ሸቐጣት ዝሸጡ፡ ናይ ምልውዋጥ መስርሕ (ቬላሮባ)፡ እዚ ንነገራት ዳግም ንምምስራሕ ዝተባባዕ ዘሎ ኣብ ህዝብና ልሙዳት ዝኾኑን ምስ ኣከባቢ ዝሳነዩ ተግባራት ነይሮም። ነዞም ብህዝብና ዝካየዱ ዝነበሩ ባህላውያን ንጥፈታት ቁጠባን ኣከባብን ምስ ኣርክቴክት ዮሃንስ በራኺ ዳህሲስናኣዮም ኣለና። እዞም መሃዝነት ዘለዎም፡ ምስ ኣከባቢ ዘሳንዩ ንጥፈታት ቀጺልናዮምን ሒዝናዮም እንተንጓዓዝ መሰረት ምዕባለን ጥዕናን ምዃኖም'ውን ኣብዚ ዕላል ተገሊጹ ኣሎ።
    Voir plus Voir moins
    34 min
  • ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (18 ሕዳር 2025)
    Nov 18 2025
    ** ኣብ ብሪጣንያ ዓቢ ለውጢ ፖሊሲ ሓተቲ ዑቕባ ይተኣታቶ፡ ... ** ምጉሓፍ ዒላማ ባዶ ምብካል ኣየር ነቲ ኣውስትራሊያ ኣብ ፓሲፊክ ዘለዋ ጽልዋ ከምዘይትንክፎ ሱዛን ለይ ትገልጽ፡ ** ዜጋታት ካናዳ ብስግኣት ጸጥታ ናብ ሓያሎ ናይ ኢትዮጵያ ዞባታት ከይንቀሳቐሱ መጠንቀቕታ ተዋሂብዎም።
    Voir plus Voir moins
    5 min